መንእሰያት ኣብ Bømlo

ምንቅስቓስ ኣካላት – Bremnes idrettslag
ክለብ ስፖርት Bremnes እቲ ዝዓበየ ኣብ Bømlo ዝርከብ ክለብ ስፖርት እዩ። ኣብ’ዚ ናብ ክፍሊ ልምምድ ኣካላዊ ድልዳለ ብምእታው፡ ናይ ምፍትልታል ምንቅስቓስ ብምክያድ፡ ኣይሮቢክስ ብምዕያይ፡ ልምምድ ድልዳለ ኣካላት ብምግባር፡ ከምኡ’ውን ብስጉምታዊ ሳዕስዒት ኣካላትኩም ከተንቀሳቕሱ ትኽእሉ ኢኹም። ከም ናይ ኵዕሶ እግሪ፡ ኵዕሶ ኢድ፡ ጉያ እግሪን ኣካላዊ ምንቅስቓስን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት እውን ኣለዎም። ኣብ’ዞም ንጥፈታት እዚኣቶም ንኽትጽንበሩ ናይ ኣባልነት ክፍሊት ክትፍጽሙ ከድልየኩም እዩ።
ትካል ቀይሕ መስቀል
Førstehjelp og Friluftsliv – RØFF
RØFF ካብ 13 ክሳብ 17 ዓመት ንዝዕድሚኦም መንእሰያት ዘገልግል ትካል እዩ። ኣባላት RØFF ብዛዕባ ‘ቀዳማይ ረድኤት’ ከምኡ’ውን ‘ኣብ ተፈጥሮ ብህይወት ምስራር’ ዝብሉ ኣርእስትታት ኣገዳሲ ፍልጠት ይቐስሙ። እዚ ነቶም መሳጥን ንጡፍን ምዝንጋዓዊ ንጥፈት ዝሃርፉ እዩ። ዝተሓጋገዙ ዓቕሚ-ሰብ ዝኣኸሉ ተሓጋገዝቲ ኣለዉ። ይኹን’ምበር፡ ትካል RØFF ከመይ ክመስል ከምዘለዎ ዝውስኑ መንእሰያት ባዕሎም እዮም።
Multimix
Multimix ካብ 16 ክሳብ 30 ዓመት ንዝዕድሚኦም መንእሰያት ዘገልግል ንጥፈታዊ ጕጅለ እዩ። እዚ ነቶም ኣብ ኮም ብምጽንባር ምስ መዛኑኦም ሰባት ክላለዩ ዝደልዩ መንእሰያት ዝኸውን ዕድል እዩ። Multimix ከም ቦውሊንግን ምሸታዊ ጸወታታን፡ ባህላዊ ምሸታት፡ ምኽሻን፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ኣዘናጋዕቲ ንጥፈታት ዝሓቘፈ ፍልይ ዝበለ ፕሮግራም ኣለዎ።
ሓገዝ ትምህርታዊ ዕዮ-ገዛ – ኣብ ቤት-ንባብ
ትምህርታዊ ዕዮ-ገዛ ኣብ እትሰርሑሉ እዋን ምስ ካልኦት ክትኰኑ ትደልዩ ዶ? ኣብ ቤት-ንባብ፡ ተማሃሮ ናይ ላዕለዎት ክፍልታት መባእታ፡ ካልኣይ ደረጃን ትምህርቲ ንዓበይትን ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት፡ ካብ ብቑዓት ዝዀኑ ወለንተኛታት ንትምህርቲ ዝምልከት ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ብመገዲ ሓገዝ ትምህርታዊ ዕዮ-ገዛ ናይ ቀይሕ መስቀል ዝውደብ ኣገልግሎት እዩ።
ካፈ ቋንቋ
ንጥፈታት ካፈ ቋንቋ፡ ሓንቲ ሰሙን እናሰገረ ብቐጻሊ ኣብ ቤት-ንባብ ይካየዱ። እዚ ንጥፈት እዚ ንነፍሲወከፍ ብቛንቋ ነርወይ ክዛረብ ዝደሊ ሰብ ዝኸውን እዩ። ምስ ዘይትፈልጥዎም ሰባት ብምልላይ ገለ ሓድሽ ነገር ተማሃሩ። ኣአንገድቲ ቋንቋኣዊ ኣገልግሎት ክትኰኑ ድልየት ምስዝህልወኩም፡ ንኽትውከሱና ናጽነት ይሰማዕኩም።
Ten Sing
Ten Sing ብዙሓትን ዝተፈላለዩን ንጥፈታት ዘሰላስል ዕዮ መንእሰያት እዩ፦ ንጥፈታት መዘምራን፡ ባንድ፡ ሳዕስዒት፡ ድራማ፡ ‘ቦርድዎርክ’፡ ቪድዮን ነቝጣ መርበብ ሓበሬታን፡ ከምኡ’ውን ተክኒካዊ ዕዮ። እዚ ነፍሲወከፍ ብመሰረት ዝንባሌኡ ዝሕቆፈሉን ንኽሳተፍ ዕድል ዝረኽበሉን መድረኽ እዩ። Ten Sing ዕድሚኦም ካብ 13 ክሳብ 19 ዓመት ንዝዀነ መንእሰያት ኣገልግሎት ይህብ።
EvoLAN (data)
ኣብ ኮምፕዩተርን ፈጠራ ዲጂታዊ ጸወታን ተገዳስነት ኣለኩም ዶ? EvoLan ኣብ ኮምፕዩተር ተገዳስነት ንዘለዎም መንእሰያት ዝኸውን ትካል እዩ። ንመንእሰያት ዝዀኑ ንጥፈታትን ማሕበራዊ ኣጋጣሚታትን ይውድቡ። ትካል EvoLan ኣብ Bømlo ኮምፕዩተራዊ ዝንባለ ክብ ኣብ ምባል ኣተኲሩ ይሰርሕ።
Bømlo Teater
Bømlo Teater ንነኣሽቱ መንእሰያት ሙዚቃ፡ ደርፊ፡ ሳዕስዒትን ተዋስኦን ኣብ ምልምማድ ይሰርሕ። ኣብ ዓበይትን ነኣሽቱን ልምምዳት ብምስታፍ፡ ኣባላቱ ልዑል ስነ-ጥበባዊ ትሕዝቶ ኣብ ዘለዎ ሃዋህው ኰይኖም ክእለታቶም ከማዕብሉ ይኽእሉ።
Bømlo Teater ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንዝነጥፉ ወለንተኛታት ዝኸውን ቦታ ኣለዎ፤ እንተላይ ነቶም ድሕሪ መጋረጃ ስነ-ጥበብ ኰይኖም ዝዓዩ፡ ማለት ነቶም ካብ ኣብ ምድላው ንቑጽ ዶልሺ ክሳብ ስፍየት መዋስኢ ክዳንን ዕዮ-ዕንጸይትን ዝሳተፉ ሰባት ዝኸውን።