
Foto: Jan Rabben
ናብ Bømlo እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም!
ኣብ Bømlo ብመገዲ ወለንታውያን ጕጅለታትን ውድባትን ዝሰላሰሉ ዓበይቲ ንጥፈታት ኣለዉ። ኣብ ናይ ስፖርት፡ ሙዚቃ፡ ጕጅለታት ደርፊ፡ ጕጅለታት ቲያትር፡ ጕጅለታት ሳዕስዒት፡ ሃይማኖታውያን ውድባት፡ ክለባት ጃልባ፡ ማሕበር ነበርቲ/ተቐማጦን ካልኦትን ንጥፈታት ክትሳተፉ ትኽእሉ ኢኹም።
እዚ ገጽ እዚ ዓርከ-መሓዛ ንኸተጥርዩ ክሕግዘኩም ተስፋና እዩ፤ ከምኡ’ውን ባህ ዝብሉኹም ንጥፈታትን ክትጽንበርወን እትኽእሉ ጕጅለታትን ክትረኽቡ!
እዚ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ እዚ ብህዝባዊ ቤት-ንባብ Bømlo ዝተዳለወ እዩ። ናብ’ዚ ዝመጸት ሓንቲ ጕጅለ ሰባት፡ ኣብ ምርጫ ጕጅለታትን ንጥፈታትን ተሳቲፋ ኣላ። እዚ ኣብ’ዚ ኣቕሪብናዮ ዘለና፡ ንእሽተይ ክፋል ናይ’ቲ ኣብ Bømlo ዝርከብ ኮም ወለንተኛታት ጥራይ እዩ።
ምምሕዳር ከተማ ብዛዕባ’ተን ኣብ Bømlo ዝርከባ ጕጅለታት ዝያዳ ሓፈሻዊ ስእሊ ዝህብ ሓበሬታ ኣለዎ።
bomlo.kommune.no.
እዚ ገጽ እዚ፡ ኣካል ናይ’ቲ ሃገራዊ ቤት-ንባብ ነርወይ ዝመዋሊኡ “ናብ ኮም ዝመርሕ መገዲ/ A way into the community” ዝብል ፕሮጀክት እዩ። www.nb.no.