ሙዚቃን ባህልን ኣብ Bømlo

Bømlo Kormix
Bømlo Kormix ሰሉስ-መጸ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ Bømlo ተኣኪቦም ልምምድ ብዘካይዱ ሕጉሳት ደረፍቲ ዝቘመ ጕጅለ እዩ። ንሕና ኣባላት እዚ ጕጅለ፡ ብኣእዳው ማሪያ ማልምሰተን ኣናተመራሕና ብዙሕነት ዘለዎም ሙዚቃዊ ጸወታታት ንለማመድ።
Bømlo Teater
Bømlo Theatre ንነኣሽቱ መንእሰያት ሙዚቃ፡ ደርፊ፡ ሳዕስዒትን ተዋስኦን ኣብ ምልምማድ ይሰርሕ። ኣብ ዓበይትን ነኣሽቱን ልምምዳት ብምስታፍ፡ ኣባላቱ ልዑል ስነ-ጥበባዊ ትሕዝቶ ኣብ ዘለዎ ሃዋህው ኰይኖም ክእለታቶም ከማዕብሉ ይኽእሉ።
Bømlo Theatre ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንዝነጥፉ ወለንተኛታት ዝኸውን ቦታ ኣለዎ፤ እንተላይ ነቶም ድሕሪ መጋረጃ ስነ-ጥበብ ኰይኖም ዝዓዩ፡ ማለት ነቶም ካብ ኣብ ምድላው ንቑጽ ዶልሺ ክሳብ ስፍየት መዋስኢ ክዳንን ዕዮ-ዕንጸይትን ዝሳተፉ ሰባት ዝኸውን።
Havdur
Havdur ኣስታት 30 ደቂ-ተባዕትዮ ዝኣባላቱ ጕጅለ ሓባራዊ ቅኒት እዩ። ያታውያን ናይ ነርወይ ደርፍታታን ገለ ናይ እንግሊዝኛ ደርፍታትን ይደርፉ። ዝለማምዱሉ ቦታ ኣብ’ቲ ኣብ Svortland ዝርከብ Ungdomsheimen እዩ።
Bømlo Soul Children
Bømlo pre soul ኣብ ቤት-ክርስትያን Bremnes ብዝለማመዱ ህጻናት ዝቘመ ሕብረት ሓባራዊ ቅኒት እዩ። ክልተ ጕጅለታት ኣለዋ፦ እታ ሓንቲ ካብ 1ይ -3ይ ክፍሊ ንዝመሃሩ ህጻናት እትሓቍፍ ክትከውን እንከላ፡ እታ ካልኣይቲ ድማ ካብ 4ይ ክፍሊ ንላዕሊ ንዝመሃሩ ህጻናት ትሓቁፍ።
Bømlo Kystlag
ኣብ Bømlo ዝርከብ ሃብታም ዝዀነ ናይ ገማግም ባሕሪ ባህልን ታሪኽን ኣሎ፤ ከምኡ’ውን እኩባት ደሴታት ኣለዋ። ዕላማ ጕጅለ ማያዊ ገማግም፡ ብዛዕባ’ቲ ምስ ባህሊ ገማግም ባሕሪ ዝተኣሳሰር ፍልጠት፡ ኢደ-ስራሓት፡ ታሪኽን ያታን ሓላፍነት ምስካም እዩ። እዛ ጕጅለ እዚኣ ሞቶራዊ ዕማምን ካልእን ዘካይዱ ጕጅለ መንእሰያት እውን ዝሓቘፈት እያ።
ነዚ ናይ Bømlo ባህሊ ማያዊ ገማግም ኣብ ምዕቃብ ክንጽንበሩ ምስእትደልዩ፡ ከም ኣባላት ሓንጎፋይ ኢልና ክንቅበለኩም ንኽእል ኢና!