ሓጸርቲ ትምህርትታት / ትምህርቲ ኣብ Bømlo

Bømlo Kystlag

ኣብ Bømlo ዝርከብ ሃብታም ዝዀነ ናይ ገማግም ባሕሪ ባህልን ታሪኽን ኣሎ፤ ከምኡ’ውን እኩባት ደሴታት ኣለዋ። ዕላማ ጕጅለ ማያዊ ገማግም፡ ብዛዕባ’ቲ ምስ ባህሊ ገማግም ባሕሪ ዝተኣሳሰር ፍልጠት፡ ኢደ-ስራሓት፡ ታሪኽን ያታን ሓላፍነት ምስካም እዩ። እዛ ጕጅለ እዚኣ ሞቶራዊ ዕማምን ካልእን ዘካይዱ ጕጅለ መንእሰያት እውን ዝሓቘፈት እያ።

ነዚ ናይ Bømlo ባህሊ ማያዊ ገማግም ኣብ ምዕቃብ ክንጽንበሩ ምስእትደልዩ፡ ከም ኣባላት ሓንጎፋይ ኢልና ክንቅበለኩም ንኽእል ኢና!

Bømlo Røde kors ትካል ቀይሕ መስቀል

ሓገዝ ትምህርታዊ ዕዮ-ገዛ – ኣብ ቤት-ንባብ

ትምህርታዊ ዕዮ-ገዛ ኣብ እትሰርሑሉ እዋን ምስ ካልኦት ክትኰኑ ትደልዩ ዶ? ኣብ ቤት-ንባብ፡ ተማሃሮ ናይ ላዕለዎት ክፍልታት መባእታ፡ ካልኣይ ደረጃን ትምህርቲ ንዓበይትን ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት፡ ካብ ብቑዓት ዝዀኑ ወለንተኛታት ንትምህርቲ ዝምልከት ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ብመገዲ ሓገዝ ትምህርታዊ ዕዮ-ገዛ ናይ ቀይሕ መስቀል ዝውደብ ኣገልግሎት እዩ።

 

ካፈ ቋንቋ

ንጥፈታት ካፈ ቋንቋ፡ ሓንቲ ሰሙን እናሰገረ ብቐጻሊ ኣብ ቤት-ንባብ ይካየዱ። እዚ ንጥፈት እዚ ንነፍሲወከፍ ብቛንቋ ነርወይ ክዛረብ ዝደሊ ሰብ ዝኸውን እዩ። ምስ ዘይትፈልጥዎም ሰባት ብምልላይ ገለ ሓድሽ ነገር ተማሃሩ። ኣአንገድቲ ቋንቋኣዊ ኣገልግሎት ክትኰኑ ድልየት ምስዝህልወኩም፡ ንኽትውከሱና ናጽነት ይሰማዕኩም።