ዝንባለኣዊ ንጥፈታት ኣብ Bømlo

Bømlo frivillig-sentral

ማእከል ወለንተኛታት Bømlo ሓንሳብ ኣብ ሰሙን ዝካየድ ንጥፈታት ካፈ ስፍየትን ማእለማን ኣለዎ። ኣብ’ዚ ኣብ ቦታ ናይ ትካል ቀይሕ መስቀል ዝካየድ ናይ ማሕበራዊ ምትእኽኻብን ቡንን ኣጋጣሚ ተጸንበራ። ዕዮ ማእለማ ትፍትና ዲኽን ኣይትፍትናን -ብዘየገድስ- ማዕጾ ንዓኽን ክፉት እዩ።

Bømlo husflids-lag

ስራሕ ስፍየት፡ ስራሕ እንችኖቶ/ርክያሞ፡ ማእለማ/ምጥላፍ፡ ማእለማ ጎልፎን ካልእ ዕዮ ኢደ-ጥበብን ትፈትዋ ዶ? ናብ ጕጅለ ኢደ-ጥበብ ናይ Bømlo ብምጽንባር ሓድሽ ቅዲ ስራሕን ሜላታትን ክትመሃራ ትኽእላ ኢኽን። ብለቓሕ መልክዕ ዝወሃባ ሰፈይቲ ማሽናት ኣለዋኦም።

ናይ ገዛእ-ርእስኽን መግቢ ተማልኣ። ሻህን ቡንን ይእንገድ እዩ። ማዕጾ ድማ ንነፍሲውከፍ ሰብ ክፉት እዩ።

እዛ ጕጅለ ኢደ-ጥበብ እዚኣ ሓጸርቲ ትምህርትታት፡ መጽናዕትታት፡ ናይ ኢደ-ጥበብ ምሸታትን መዓልቲ ኢደ-ጥበብን ትውድብ።

Bømlo hobby-lag

እቶም ጕጅለ ዝንባለታት Bømlo ዘድህበሎም ዓውድታት ዝተፈላለዩ እዮም። ንኣብነት፡ ስራሕ እንችኖቶ/ርክያሞ፡ ማእለማ ጎልፎ፡ ቅብኣ፡ ስእሊ ኢድን ዕዮ ካይላን። ሓንሳብ ኣብ ሰሙን ዝካየድ ምትኽኻብ ኣሎ።

ጕጅለ ዝንባለታት Bømlo ሓደስቲ’ሞ ናብ ኣገዳሲ ኣርእስትታት ዝቐንዑ ሓጸርቲ ስልጠናታት ንምክያድ ኩሉ ሳዕ ክፉት እዩ። እዛ ጕጅለ እዚኣ ኣብ Sams senter ገለ ንብረታት ትሸይጥ።