ኣብ Bømlo ኣብ ወለንታዊ ዕዮ ተሳተፉ

ወለንተኛ ምዃን
መብዛሕትኦም ኣብ ሃገረ-ነርወይ ዝርከቡ ዜጋታት ኣብ ወለንታዊ ዕዮ ይሳተፉ እዮም። እዚ ድማ ምእንቲ ካልኦት ንዝክካየዱ ክፍሊት-ኣልቦ ስራሓት ዘጠቓልል እዩ።
ኣብ’ተን ኣብ Bømlo ዝርከባ ጕጅለታትን ውድባትን፡ ዳርጋ ወለንታዊ ዕዮ ጥራይ እዩ ዝካየድ። እተን ዓበይቲ ጕጅለታት ጥራይ እየን ንሰራሕተኛታተን ገንዘብ ክኸፍላ ዝረኣያ።
Bømlo Frivillig-sentral
ማእከላይ ትካል ወለንተኛታት Bømlo ወለንታዊ ዕዮ ኣብ ምድራኽ ዝነጥፍ ውድብ እዩ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ካብ’ዞም ንጥፈታት እዚኣቶም ንኽትሳተፉ ድዩስ ወለንታዊ ኣበርክቶ ንኽትገብሩ ድልየት ምስዝህልወኩም ክትውከስዎም ትኽእሉ ኢኹም። እንተተወኪስኩሞም ብሓጎስ ክቕበሉኹም እዮም።