Bømlo ናይ ሕዝቢ መሀንበሲ

ኣዝዩ ምጹእ ናይ ውሽጢ መሀንበሲ ኣብ Bømlo ኣለኩም። ኣብ ሞንጎ Bremnes Ungdomsskule (ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ Bremnes) ን Bømlohallen ክትረኽብዎ ትኽእሉ።
እቲ ገዛውቲ፣ ክልተ መሀንበሲ ኣለዎ። እቲ ኣዝዩ ንኢሽተይ፥ መቀጥ መጠን 32 ዲግሪ እዩ፣ ኣዝዩ ምችእ እዩ። እቲ ዓቢ መሐንበሲ፣ መንጠሪን መጽለሊ ቦርድ ኣለዎ።
ናይ መሀንበሲ ሕናጻ፣ ኣዝዩ ልዑል ደረጃ ዘለዎ፣ ንኩሉ ሰብ ብማዕረ የዕንግድ። ኣብቲ መሀንበሲ ቀጻሊ ተጠቃማይ ኩን ኣይተኹን ብዘየገድስ፣ እንድሕሪ ክትዛናጋዕ ወይ ምስ ሰበት ከተእልል ደሊኻ፣ መረሃባ።
መቐየሪ ክፍሊ፣ ዝእጾ ንብረት መቐመጢ ሳንዱቕ፣ ናይ ግሊ ሰውነት መሕጸቢ ሻወር ኣሎ።
ሰዓቶችንና ዋጋዎችን መክፈት እዚህ ይገኛል, ሓበሬታ ብዛዕባ ስዓታት ስራሕን ዋጋታትን ኣብዚ ርኸቡ፥ bomlosymjehall.no
እንቋዕ ብደሐን መጻእካ!