ህዝባዊ ቤት-ንባብ Bømlo

ነፍሲወከፍ ሰብ ናብ’ዚ ቤት-ንባብ እዚ ዕዱም እዩ!
እዚ ቤት-ንባብ እዚ ነፍሲወክፍ ሰብ ንኽጥቀመሉ ማዕጾኡ ክፉት እዩ። መጻሕፍቲ፡ ብድምጺ መልክዕ ዝተዳለዉ መጻሕፍቲ፡ ፊልምታት፡ ሙዚቃዊ ትሕዝቶታትን መጽሔታትን ክትልቅሑ ድዩስ ኢንተርነት ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። ብዛዕባ ጽቡቓት መጻሕፍትን ፊልምታትን ምኽራዊ ሓበሬታ ምስእትደልዩ፡ ተወከሱና ኢኹም። መጻሕፍቲ፡ ዲጂታዊ ጸወታታት፡ ግድላትን መስኣሊ ነገራትን ዝሓዘ – ንህጻናት ዝኸውን ፍሉይ ክፍሊ ኣለና። ክትጥቀሙሎም እትኽእሉ ኮምፕዩተራትን ናይ ‘ፎቶ-ኮፒ’ ማሽናትን ኣለዋና። ኣብ ውሽጢ ቤት-ንባብ፡ ንንባብን ንጕጅለታትን፡ ከምኡ’ውን ንገመድ-ኣልቦ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዝዀኑ ክፍልታት ኣለዉ።
ሓገዝ ትምህርታዊ ዕዮ-ገዛ – ኣብ ቤት-ንባብ
ሓንሳብ ኣብ ሰሙን፡ ኣገልግሎት ሓገዝ ትምህርታዊ ዕዮ-ገዛ – ኣብ ቤት-ንባብ ይወሃብ። ንዕዮ ገዛ ብዝምልከት ኣብ’ዚ ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ካፈ ቋንቋ
ካፈ ቋንቋ፡ ናብ ቤት-ንባብ መጺእኹም ምስ ሰባት ክትራኸቡ፡ ክትስሕቁን ክትዘራረቡን እትኽእሉሉ ምትእኽኻብ እዩ። ኩሉ ሰብ ዕዱም እዩ። ቡንን ሻሂን።
ግዜ ንባብ
እዚ ቤት-ንባብ እዚ ዕድሚኦም ኣብ ሞንጎ 3-6 ዓመት ንዝዀነ ህጻናት ዝተሓዝአ ግዜ ንባብ ኣለዎ። ንኹሉ መጺኡ ንባብ ናይ መሰጥቲ መጻሕፍቲ ክሰምዕ ዝደሊ ሰብ ክፉት እዩ።
እትውከስዎም ኣድራሻታት፦
ኢንተርነት፦ bomlobibliotek.no
ኢ-መይል፦ Here you can create the content that will be used within the module.
Bømlo Folkebibliotek
Internett: bomlobibliotek.no
Epost: bibliotek@bomlo.kommune.no
Telefon: 53 42 32 40
Besøksadresse: Bankbrekko 22, 5430 Bremnes