ንህጻናት ዝዀኑ ንጥፈታት ናይ Bømlo

Bremnes Idrettslag

ብዙሓት ህጻናትን መኣሽቱ መንእሰያትን ከም ኵዕሶ እግሪ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ጉያ እግርን ኣብ ዝኣመሰሉ ስፖርታዊ ንጥፈታት ይሳተፉ። ክለብ ስፖርት Bremnes እቲ ዝዓበየ ጕጅለ ስፖርት ናይ Bømlo እዩ። ትሕዝቲ 26 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣስታት 700 ህጻናትን መኣሽቱ መንእሰያትን ኣባላት ናይ’ዚ ክለብ ምዃኖም ይፍለጥ። እዚ ስፖርታዊ ጕጅለ እዚ ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ማእከላይ ስፖርታዊ ማእከል እዩ። ህጻናት ዝተነከየ መጠን ክፍሊት ኣባልነት ይፍጽሙ እዮም።

Bømlo Soul Children

Bømlo pre soul ኣብ ቤት-ክርስትያን Bremnes ብዝለማመዱ ህጻናት ዝቘመ ሕብረት ሓባራዊ ቅኒት እዩ። ክልተ ጕጅለታት ኣለዋ፦ እታ ሓንቲ ካብ 1ይ -3ይ ክፍሊ ንዝመሃሩ ህጻናት እትሓቍፍ ክትከውን እንከላ፡ እታ ካልኣይቲ ድማ ካብ 4ይ ክፍሊ ንላዕሊ ንዝመሃሩ ህጻናት ትሓቁፍ።

Bømlo Teater

Bømlo Theatre ንነኣሽቱ መንእሰያት ሙዚቃ፡ ደርፊ፡ ሳዕስዒትን ተዋስኦን ኣብ ምልምማድ ይሰርሕ። ኣብ ዓበይትን ነኣሽቱን ልምምዳት ብምስታፍ፡ ኣባላቱ ልዑል ስነ-ጥበባዊ ትሕዝቶ ኣብ ዘለዎ ሃዋህው ኰይኖም ክእለታቶም ከማዕብሉ ይኽእሉ።

Bømlo Theatre ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንዝነጥፉ ወለንተኛታት ዝኸውን ቦታ ኣለዎ፤ እንተላይ ነቶም ድሕሪ መጋረጃ ስነ-ጥበብ ኰይኖም ዝዓዩ፡ ማለት ነቶም ካብ ኣብ ምድላው ንቑጽ ዶልሺ ክሳብ ስፍየት መዋስኢ ክዳንን ዕዮ-ዕንጸይትን ዝሳተፉ ሰባት ዝኸውን።

Barnas turlag

ማሕበር ምዝንጋዓዊ ጕዕዞ እግሪ ህጻናት ንህጻናትን ህጻናት ዘለውወን ስድራ-ቤታትን ኣገልግሎት ይህብ። ማሕበር ምዝንጋዓዊ ጕዕዞ እግሪ ህጻናት ናይ Bømlo፡ ኣብ መላእ-ዓመት ኣብ ካየዱ ዝተፈላለዩ ናይ ግዳም ንጥፈታት ንኽትሳተፉ ይዕድመኩም። እዚ ትካል እዚ ኣብ ናይ ግዳም ንጥፈታት ንምስታፍን ምስ ተፈጥሮ እወታዊ ዝዀነ ተመኵሮ ንምሕላፍን ዕድል ዝህብ እዩ። ኣብ’ዚ ተመኵሮ እዚ፡ ሓደ ውልቀ-ሰብ ህጻናት ምስ ዘለውወን ስድራ-ቤታት ክራኸብ ይኽእል፤ ህጻናት ድማ ኣብ ጕዕዞ ምስ መዛኑኦም ተራኺቦም ክዘናግዑ ይኽእሉ። ማሕበር ምዝንጋዓዊ ጕዕዞ እግሪ ህጻናት ናይ ከባቢ ጕዕዞታት እግሪ፡ ናይ ሃዳሙ ጕዕዞታትን ናይ ምግፋፍ ዓሳ መገሻታት እግርን ይውድብ።